ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ኣስታት 10 ወታሃደራት ምሟቶም ተገሊጹ

  • በትረ ስልጣን
    ዜና ቪኦኤ

አብ ደቡባዊ ሞቃዲሾ አብ ማእከል ወትሃደራዊ ታዕሊም ተመሳሲሉ ዝኣተወ ውልቀሰብ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተገሊጹ።

ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ክልተ ምንጭታት፣ እቲ ውልቀሰብ ዩኒፎርም ሰራዊት ለቢሱ ናብ’ቲ ስፍራ ከምዝኣተወ ኣረጋጊጾም።

መንግስታዊ ምንጭታት "ብውሑድ 10 ወትሃደራት ተቀቲሎምን ካልኦት ከቢድ መቁሰልቲ ዝወረዶምን ኣለው" ይብሉ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሶማያ ብርጋዴር ጀነራል ኦዳዋ የሱፍ ረገ ብወገኖም "10 ተዓለምቲ ከምዝሞቱን 20 ከምዝቆሰሉን" ንመሓውራት ዜና ገሊጾም። ካልኦት ንመሓውራት ዜና ግና እቲ በዝሒ ካብ’ቲ ዝተጠቀሰ ንላዕሊ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ዕጡቅ ጉጅለ ኣል ሸባብ ፈጻሚኡ ባዕለይ እየ ኢሉ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።