ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ "ፌደራሊስት ሓይልታት" ተዛዚሙ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ "ፌደራሊስት ሓይልታት" ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ብቐፃሊ "ፎረም ፌደራሊስት ሓይልታት" ንምጥያሽ ከምዝተስማዕምዑ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣፍሊጦም:: “ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ እዚ መድረኽ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ::ኣብዚ ልዕሊ 50 ውድባት ፓለቲካ ዝተሳተፍሉ መድረኽ ሓሙሽተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም እዮም::