ኣብ መቐለ ዝተዓሸጋ እንዳ ቡንን ሻሂን ግዚያዊ ፍታሕ ተገይሩለን

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ሻሂን ቡንን እናሸቀጣ ንብዙሕ ዓማውቲ ናብርኤን ክመርሓ ድሕሪ ምፅንሐን ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሐዚ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክወስደለን ጀሚሩ`ሎ፡፡

ካብዚ ተበጊሰን ትማሊ 17 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም ናብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ጥርዓነን ድሕሪ ምቕራበን፡ ንግዚኡ ዕዳ-ክራየን ክሳብ ዝኸፍላ ክኽፍተለን ተሰማሚዑ`ሎ። እተን ሸቃጦ እንተኾነ ዘላቒ ፍታሕ ኣይኮነን ይብላ ።ብዙሓት ካብ`ተን ቡንን ሻሂን እናሸቀጣ ዝነብራ፡ ካብ ዪኒቨርሲታት ብድግሪን ካልኣይ ድግሪን ዝተመረቃ`ውን ከምዝረከብአን ወኪልና ካብ`ቲ ቦታ ሓቢሩ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ፡፡

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ መቐለ ዝተዓሸጋ እንዳ ቡንን ሻሂን ግዚያዊ ፍታሕ ተገይሩለን