ኣብ ከባቢ ዓዲግራት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ከባቢ ዓዲግራት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ካብቲ ቦታ ይግለጽ ኣሎ። ትማሊ ሮቡዕ 2 ጳጉሜን 2014 ሰራዊት ኤርትራ ንከተማ ዓዲግራት ብኸቢድ ብረት ደብዲቦም ሰለስተ ህፃናት ዝርከበኦም ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ 14 ሰባት ድማ ቆሲሎም ክብላ ኣካያዲት ሓፈሻዊ ስራሕ ሆስፒታል ዓዲግራት ኣበራሽ ፍሰሃ ተዛሪበን።