ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ብመሰረት ቀኖና'ታ ቤተ ክርስትያን ምፍትሑ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማቲያስ ፓትረያርክ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኢትዮጵያ -ፋይል

ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ብመሰረት ቀኖና ቤተክርስትያን ምፍትሑ እታ ቤተ ክርስትያን ኣፍሊጣ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ትማሊ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ እታ ቤተክርስትያን ብዝወከለቶም ኣቦታትን ሽማግለታት ዓድን ኣቢላ ብዘካየደቶ ሰፊሕ ዘተ እቲ ፀገም ክፍታሕ ምኽኣሉ እዩ።

እዚ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ሽማግለታት ዓድን ኣብ ዝተረኽቡሉ ነቲ ስምምዕነት ምቕባሉ ዝገለፀ እቲ ሲኖዶስ ምስቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ህይወቶም ንዝሰኣኑ’ውን ዘኪሮም።

ብኻልእ ወገን ምስዚ ናይ ቤተክርስትያን ፀገም ተተሓሒዙ ተኣሲሮም ዝርከቡ መማህራን ሃይማኖት መናእሰይን ገሊኦም ኣብ ከባቢ ቦሌ ዝርከብ መንበሪ ከምዝርከቡ ክግለፅ ከሎ ገሊኦም ድማ ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፈልጡ ስድረኦም ተዛሪቦም።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮሚያን ንዝተፈፀሙ ማእሰርትታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ንዝምልከቶም ኣካላት፣ መሰኻኽር፣ ከምኡ’ውን ናይ ሕጊ ኣካላት ግዳያትን ብምዝርራብ ክትትል ይገብር ምህላዉ ኣፍሊጡ።