ኣብ ኤርትራ ዝተርኣየ ለበዳ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ጉድኣት ከየብጽሐ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ተገሊጹ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ኤርትራ ዝተረኣየ ለበዳ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ዝኾነ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ፈጻሚ ስራሕ ኮሚሽን ምቁጽጻር ኣንበጣ ማእከላይ ዞባ ዶ/ር ማሙን ኣል ኣላዊ ገሊጹ።
ዶ/ር ማሙን ነዚ ዝገለጸ፡ለበዳ ኣንበጣ ኣብ ዝተራእየሉ ቦታታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኮለላን ትዕዝብትን’ዩ። ዶ/ር ማሙን እንትርፎ ሓሓሊፎም ኣብ ገለ ቦታታት ዝረኣዩ ፋሕ ዝበሉ ዘይነፍሩ ኣንበጣ፡ዘስግእ ኩነታት ከምዘይልቦ ተዛሪቡ።