ኣስመራ —
ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ኣፍሊጡ።
እቶም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ብዝተገብረ መርመራታት ዝተረኽቡ ክኾኑ ኸለዉ-ቁጽሪ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ዝተመዝገቡ ናብ 39 ደይቡ`ሎ።
ብኻልእ ወገን ካብ መንጎ ብኮሮና ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት -ሰለስተ ድማ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ`ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።