ኣስመራ —
ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ነብሰጾራትን ምትሕልላፍ ካብ ኣደ ናብ ዕሸልን ትሕቲ 1 ሚእታዊት ከምዝወረደ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊት ምቁጽጻር ኤችኣይቪን ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሲስተር ንግስቲ ተስፋሚካኤል ንጽምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ።
ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ብድሆ ኤርትራ ኣቶ ዳንኤል ኣስፍሃ ብወገኑ ማሕበር ብድሆ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምትሕብባር ምስ ኤችኣይቪ ንዝነብሩ ንኣባላቱ ብሜላ ምንባር ዝሕግዙ ስልጠናታትን መኣዛዊ መግብን ኣብ ምሃብ ከምዝነጥፍ ሓቢሩ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ሕሙማት ኤችኣይቪ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ ተገሊጹ