ኣብ ኤርትራ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር መምርሒታትን መከላኸሊ ቅጥዕታትን ኮሮና ቫይረስ አማሊኡ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ

ሚያዝያ ሓደ ዳግማይ ዝጀመረ መስርሕ ትምህርቲ ብሚኒስትሪታት ጥዕናን ትምህርትን ዝወጽኡ መምርሒታትን ቅጥዕታትን ኣማሊኡ ብጽቡቕ ይካየድ ከምዘሎ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መምህራንን ተማሃሮን ገሊጾም።

ርእሰ መምህራን ኣብያተ ትምህርቲ ኣዱሊስን ቤት-ሳብሪንን ምስ ደረጃ ዕድመን ባህሪ ተማሃሮ ብዝሳነን ንድሕነት ተማሃሮ ብዘውሕስን ኣገባብ ይምህሩ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ትምህርቲ ዳግማይ ምጅማሩ ከምዘሕጎሶም ዝጠቐሱ ተማሃሮ ብመምህራን ዝወሃቦም ዘሎ ትምህርቲ ንዝረስዕዎ ትምህርቲ ኣብ ምዝኽኻር ከምዝሓገዞም ተዛሪቦም።

መምህራን ብወገኖም ንተማሃሮ ናብ ንቡር መስርሕ ትምህርቲ ንምምላስ ንዘለዎም ጸቕጢ ተጻዊሮም ተዓጻጺፎም ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም። ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ጀነራል ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቅሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ንምጅማር ትምህርቲ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ዝድሊ መምርሒታትን ኣስተምህሮታትን ከምዝተውሃበ ብምጥቃስ ኣብ ኣብያት ትምህርቲ ዘሰክፍ ጥዕናዊ ጸገም ምስ ዘጋጥም ካብ ምውሻብ ክሳብ ምዕጻው ቤት ትምትምህርቲ ዝከይድ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኽእል ገሊጹ::

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ተስፋይ ሰሎሞን ብወገኑ ንተጸዋዕቲ ጥዕና ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምክልኻልን ምክትታልን ለበዳ ኮቪድ 19 ዘድሃበ ስልጠና ከምዝተውሃበን መዐቀኒ ረስን ከምዝተዓደለን ምልክታት ኮቪድ 19 ዝመስል ተርእዮ ምስ ዘጋጥም ናብ ኣብ ኣብያት ትምህርቲ ብምኻድ ጥዕናዊ መርመራን ሓገዝን ክግበር ምዃኑ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኤርትራ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር መምርሒታትን መከላኸሊ ቅጥዕታትን ኮሮና ቫይረስ አማሊኡ ይካየድ ምሃልው ተገሊጹ