ኣስመራ —
ምፍጣር ሓድሽ ዕድላት ንዞባዊ ውህዳት ብዝብል ቴማ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ መበል 23 ዓመታዊ ኣኼባ በይነ መንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብ መዝን ክኢላታትን ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ፣ መደባት ስራሕ ብምውጻእን ለበዋታት ብምሕላፍን ሎሚ ሕዳር 7 ተዛዚሙ።
ቀንዲ ዕላማ ናይ`ቲ ኣኼባ ኣብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባልን ዘጋጥሙ ብድሆታትን ብምልላይ ፣ተመጣጣኒ ዕድላት ብምፍጣር ዞባዊ ውህደት ምሕያል ከምዝኾነ ተገሊጹ`ሎ።
ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ፣እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ሰላምን ምትሕግጋዝን ስዒቡ ኣብ ኣስመራ ይካየድ ብምህላዉ ግዚኡ ዝሓለወን ቴማ ናይቲ ኣኼባ ዘንጸባርቅን'ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ መበል 23 ዓመታዊ ኣኼባ በይነ መንግስታዊ ኮሚተ ተዛዚሙ
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ 14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ዘለዋ ናይ 3 መዓልታት ቁጠባዊ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ተከፊቱ