ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 31 ሰባት ሞይቶም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 31 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ብዓርቢ ዝጀመረ ባርዕ ሓዊ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ተጋዲዱ ይቕጽል ከምዘሎን ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 31 ምብጽሑን ተገሊጹ።

ነቲ ኣብ ሰሜናዊን ደቡባዊን ክፋል ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንምቑጽጻር ኣስታት 8,000 ሰብሞያ መጥፋእቲ ሓዊ ተዋፊሮም ከምዘለው’ውን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ካሊፎንያ ክሳብ ሕጂ 29 ሰባት ምሟቶምን 228 ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዘለው ብተወሳኺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ከምዘለው ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ካሊፎንያ ድማ ክልተ ሰባት ምሟቶም ተፈሊጡ’ሎ።

ብሰንኪ እቲ ባርዕ ሓዊ ክሳብ ሕጂ 6,500 ኣባይቲ፡260 ናይ ንግዲ ትካላት ምዕናውን ኣስታት 404 ስ.ሜትር ስፍሓት ዘለዎ መሬት ሸፊኑ ምህላው ሰበ ስልጣን ሓቢሮም ኣለው።