ኣብ ኣመሪካ ከተማ ቡፋሎ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ 10 ሰባት ሞይቶም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣመሪካ ከተማ ቡፋሎ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ 10 ሰባት ሞይቶም

እዚ ዝሓለፈ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣመሪካ ከተማ ቡፋሎ ክፍለ ግዝኣት ኒው-ዮርክ ሓደ ብረት ዝዓጠቀ ውልቀሰባት ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ኣብ ሓደ ሱፐርማርከት ተኹሲ ብምኽፋት መብዛሕትኦም ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ዝኾኑ 10 ሰባት ቀቲሉ።