ኣብ ኣመሪካ ብዘጋጠመ ህቦብላዊ ዝናብ 85 ሰባት ምሟቶም ተሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ሓያል ህቦብላ ዝሓዘለ ዝናብ ንማእከላይ ምዕራብ ኣመሪካ የናውጽ ኣሎ። ትማሊ ረቡዕ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ከንሳስ ሲቲ መዙሪ ገዛውቲ ገማጢሉ፡ ዓንድታት ኤለክትሪክ`ውን ኣውዲቑ።

ዛጊት ኣብቲ ኸባቢ13 ህቦብላ ዝሓዘለ ዝናብ (ቶርነይዶ) ከምዝተራእየ ዝገለጸ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር፡ ኣብ ግዝኣታት ኣርካንሳ: መዙሪ: ተነሲ: ኢለኖይን ከንታኪን ብድምር 85 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ`ሎ።