ሃዋሳ —
ድሕሪ 10 ዓመታት ዳግማይ ብዝተላዓለ ለበዳ ዓሶ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 24 ሰባት ምሟቶም ቢሮ ጥዕና ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ።
መጠን ምስፍሕፋሕ ዓሶ ብ23% ከምዝወሰኸ ኣብ ቢሮ ጥዕና ናይቲ ክልል ዳይረክቶረት ዳይረክተር ምክልኻል ሕማማትን ምድንፋዕ ጥዕናን ኣቶ ማሌ ማቴ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።
እቲ ምስፍሕፋሕ ከም ብሓዱሽ ዝተላዕለ ምንፃግ ጸረ-ዓሶ ኬሚካል ስለዘይተኻየደን ብለገስቲ ረድኤት ይውሃብ ዝነበረ ናይ ጣንጡ መከላኸሊ ዛንዜራ(ላምስያ) ስለዝተቛረፀን እዩ ኢሎም ።