ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዳግማይ ብዝተለዓለ ለበዳ ሕማም ዓሶ 24 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ከተማ ሃዋሳ

ድሕሪ 10 ዓመታት ዳግማይ ብዝተላዓለ ለበዳ ዓሶ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 24 ሰባት ምሟቶም ቢሮ ጥዕና ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ።

መጠን ምስፍሕፋሕ ዓሶ ብ23% ከምዝወሰኸ ኣብ ቢሮ ጥዕና ናይቲ ክልል ዳይረክቶረት ዳይረክተር ምክልኻል ሕማማትን ምድንፋዕ ጥዕናን ኣቶ ማሌ ማቴ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

እቲ ምስፍሕፋሕ ከም ብሓዱሽ ዝተላዕለ ምንፃግ ጸረ-ዓሶ ኬሚካል ስለዘይተኻየደን ብለገስቲ ረድኤት ይውሃብ ዝነበረ ናይ ጣንጡ መከላኸሊ ዛንዜራ(ላምስያ) ስለዝተቛረፀን እዩ ኢሎም ።