ሃዋሳ —
ኣብ ደቡብ ክልል ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ዝነብሩ ሓረስቶት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ዓሪዶም ዝበሎም ዕጡቓት 'ኦነግ ሼነ' ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊኦም ፈፂሞምዎ ብዝበልዎ መጥቓዕቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ካብ መነባብርኦም ካብ መንጎ ዝተመዛበሉ 29,000 ሰባት እቶም 11,000 ናብ መነባብርኦም ስለዘይተመለሱ ንዝልዓለ ፀገም ከምዝተቓልዑ ተዛሪቦም።
ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ናብ መነባብርኦም ዘይተመለሱ ዜጋታት ንምምላስ ብ10 ሚሊዮን ብር 800 ኣባይቲ ምህናፅ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ናይቲ ክልል ወይዘሮ ሰናይት ሰለሞን ኣብ ዝሓፀረ እዋን እግሪ ንምትካል ዘይተኽኣለ ፀረ ሰላም ሓይሊ ዝበሎም ውድባት ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ እናፈፀመ ብምፅንሑ እዩ ኢለን።