ኢትዮጵያ: ንቕትለት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተላዕለ ግጭት 52 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ህቡብ ድምጻዊ ኣፋን ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንደሳ

ድሕሪ ቅትለት ህቡብ ድምጻዊ ኣፋን ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንደሳ ብዝተወልዐ ተቓውሞ ብውሕዱ 52 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ምቑሳሎም ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣራርሳ መርዳሳ ኣፍሊጦም።

ፖሊስ፥ ኣባላት ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከቦም 35 ሰባት ምእሳሩ ኣፍሊጡ`ሎ። ።

ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ግጭትን ውጥረትን ምንጋሱ ይግለፅ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብምኽንያት ቅትለት ሃጫሉ ሁንደሳ ንህዝቢ`ታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፥ ሃጫሉ ዝጀመሮ ቃልሲ ብገበርቲ እከይ ከምዘይተዓናቐፍ ከረጋግጸልኩም እፈቱ ኢሎም።

ኣቦመንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ድማ ሰልፈኛታት ሕቶኦም ብሰላማዊ መንገዲ ክገልጹ ዝጸውዑ ክኸውን ከሎ መንግስቲ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ዝተሸፋፈነ ጉዳይ ኣሳታፊ ብዝኾነ መንገዲ ክፈትሖ ኣለዎ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን "ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ነዛ ሃገር ልቢ ኣብ ዝሰብር ሓዘን ኣእትዩዋ`ዩ” ዝበሉ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ፥ ብሄር ምስ ብሄር ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ብምግጫው፥ ሃገር ናብ ህውከት ንክተምርሕ፥ ነቲ ቅትለት ካብ ምምራሕ ጀሚሮም፥ ድሕሪ `ቲ ቅትለት ድማ ኣስከሬኑ ብምክልባት ሃገር ንምርባሽ ውዲት ናይ ዝኣለሙ ዝተወሃሃደ ኢድ ከም ዘሎ መንግስቲ ከም ዝኣምን ገሊፆም።

ኣብኡ ንሃጫሉ ኣቶ ሁንደሳ ቦንሳ፥ ደም ወደይ ዘፍሰሱ ሰባት መንግስቲ ናብ ሕጊ ከቕርበለይ እደሊ ኣለኹ ኢሎም። ድምጻዊ ሃጫሉ ህጻን ሓደ ወርሒ ዝረከቦም ሰለስተ ዝፈትዎም ደቁ ገዲፉ`ዩ ከይዱ ክብሉ`ውን ብምረት ተዛሪቦም። ኣቦ ሃጫሉን ኣሕዋቱን ኣስከሬኑ ኣብ ናይ ትውልዲ ዓዱ ከተማ ኣምቦ ክዓርፍ ድልየቶም ምዃኑ ተዛሪቦም ኣለዉ።