ዋሽንግተን —
ብመንነቶም እናተፈለዩ ተወለድቲ ትግራይ ይእሰሩ ፣ ኣብያተ ንግድታቶም'ውን ይዕፀዉ ኣለዉ ክብል ሂማን ራይትስ ዎች ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርት ሓቢሩ ።
ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ "ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ተኣሲሮም" ንዝበሎም ተወለድቲ ትግራይ ኣበይ ከምዝርከቡ ከፍልጥ፣ ንዝተከሰስሉ ገበን ክግለጽ ከምኡ'ውን ጭቡጥ ሓበሬታ ዘይተረኽበሎም ድማ ክፍትሑን ኣተሓሕዛ ኣድልዎ ጠጠው ክብልን ክብል ንሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ምሕታቱ እቲ ሪፖርት ወሲኹ ገሊጹ'ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5