ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 261 ክብ ምባሉ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ 11 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋባ ኣፍሊጣ። እዚ ድማ ንቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 261 ክብ ኣቢልዎ’ሎ። ካብቶም ሎሚ ዝተፈልጡ 11 እቶም 8 ኣብ ክልል ዓፋር`ዮም። ኩሎም ድማ ምስ ጅቡቲ ዝተተሓሓዘ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎም`ዮም።

ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ጅቡቲ ንዝመጹ ጽኑዕ ክትትል ይግበር ምህላው ናይቲ ከባቢ ሰበ-ስልጣን ይገልጹ።

ብዝተሓሓዝ ዜና ኣብ ሰሜን ሸዋ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ካልኣይ ሰብ ከምዝተረኽበ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሰብ መንግስቲ ጅቡቲ ብኣስገዳድ ካብ ዝመለሶም ስደተኛታት ሓደ ምዃኑ ተሓቢሩ`ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኢትዮጵያ ብሸነኽ ክልል ሶማሌ ዘለዋ ዶባት ምክትታል ክተሐይል ሰበ-ስልጣን ፈደራል ኣተሓሳሲቦም። ብምኽትል ሚንስትር ሰላም ወ/ሮ ፍሬኣለም ሸበባው ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ዶባት ክልል ሶማሌ ዑደት ድሕሪ ምክያድ ኣብቲ ክልል ተወሳኺ ናይ መወሸቢ ቦታታት ክቐውም ኣተሓሳሲቡ`ሎ።

ኣብ ክልል ሶማሌ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም 22 ሰባት ኩሎም ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተዉ ምዃኖም`ውን ተፈሊጡ`ሎ።

ምስ ኢትዮጵያ ብሸነኽ ክልል ሶማሌ ዝዳወባ ሃገራት ሶማል: ጅቡትን ኬንያን ልዑል መልከፍቲ`ቲ ቫይረስ ዝተራእየን ሃገራት ምዃነን ይፍለጥ።