ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3,460 ሰባት ብዝተገብረ ምርመራ 24 ሰባት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚንስትር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጠን።እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ካብ ክሊ ዕድመ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ 57 ዓመት ዝርከቡ ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 389 በፂሑ ኣሎ።
እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 9 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ኣብ ክልል ኣምሓራን 7 ድማ ኣብ ክልል ትግራይን እዮም።ካብቶም ዝተለኸፉ 12 ናይ ወፃኢ ሃገር ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎም ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ።