ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ወታሃደራዊ ስፍራ ብዝተደርበየ ነታጊ 1 ሰብ ሞይቱ ካልኦት 3 ቆሲሎም

ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ ትማሊ ኣብ ሓደ ናይ መንግስቲ ወታሃደራዊ ስፍራ ብዝተደርበየ ነታጊ ሓደ ሰብ ሞይቱ ካልኦት ሰለስተ ድማ ምቁሳሎም ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣፍሊጦም።

ነዚ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ነታጊ ኾነ ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ጉሊሶ ዝተፈጸመ ቅትለት ከንቲባ’ታ ከተማ ዝፈጸሞ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀስ ዕጡቅ ጉጅለ ‘ኦነግ ሸኔ’ዩ’ ክብሉ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣቶ ኤልያስ ኡመታ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ወታሃደራዊ ስፍራ ብዝተደርበየ ነታጊ 1 ሰብ ሞይቱ ካልኦት 3 ቆሲሎም