ኣብ ኢትዮጵያ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተገብረሎም 766 ሰባት 4 በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ተገሊጹ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

Lia kebede

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ካብ ዝተመርመሩ 766: ኣርባዕተ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽቦም ይግለጽ ኣሎ። ካብ መንጎ`ቶም ዝተረኽቦም ደቂ-15, 18ን 25 ዓመት ዕድመ ካብ ፑንትላንድ ዝኣተውን ኣብ ጂጂጋ ተወሺቦም ዝጸንሑ ምዃኖም ሚንስተር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ሓቢረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቫይረስ ኮሮና ዝሓወዩ-58 ምብጽሖም`ውን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ደቡባዊ ወሎ ድማ መንእሰያት ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ወፍሪ ጀሚሮም ኣለዉ። ልዕሊ 19 መንእሰያት`ዮም ኣብ ምቅላስ ቫይረስ ኮርኖ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ተዋፊሮም ኣለዉ። ብምኽንያት ፋሲካን ጾም ሮመዳንን ድማ ንጽጉማት ከምዝሓገዙ ተሓቢሩ`ሎ።


ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ድማ መርመራ ቫይረስ ኮሮና ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ-እቲ ላቦራቶሪ ኣብ መዓልቲ 500 ሰባት ክምርምር ከምዝኽእል ተሓቢሩ`ሎ- ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ 23 መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ላቦራቶሪታት ከምዘለዋ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።