ዋሽንግተን —
ድሕሪ ሞት ኢራናዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቐይዲ ፖሊስ ዝተላዕለ ተቓውሞ ስዒቡ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ሓይሊ ጸጥታን ግጭት ይንህር ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ኣመሪካዊያን ሴነተራት ‘ንመሰል እተን ግፍዒ ይፍጸመን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን፣ ብትብዓትን ብድፍረትን ንክቓወማ ምውሳነን ንኢዶም።
ተቃወምቲ፣ ኣብ 31 ዝተፈላለዩ ከባቢታት ድምጾም ከምዘቃልሑ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኒድ ፕራይስ "ህውከት መግለጺ መንነት ስርዓት ኢራን ኮይኑ ኣሎ" ይብል።