ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ 5 ሰባት ሞይቶም

ኣቐዲሙ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ

ሰበ ስልጣን ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ንጥሩፍ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ዝቃለሱ ዕጡቓት ጉጅለ ዝተኻየደ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ 5 ሰባት ሞይቶም

እቲ መጥቓዕቲ ካብ ከተማ ማይዱግሪ ደቡብ ምዕራብ ኣብ ትርከብ ክፍለ ግዝኣት ቦርኖ ዘጋጠመ ኮይኑ ብተወሳኺ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት በቲ መጥቓዕቲ ምቁሳሎም ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ሓቢሮም ኣለው።

ኣቐዲሙ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣድማዋ ኣብ ሓደ መስጊድን ናይ ዕዳጋ ቦታ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 86 ሰባት ምሟቶም ይፍለጥ።