ዋሽንግተን —
ሰበ ስልጣን ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ንጥሩፍ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ዝቃለሱ ዕጡቓት ጉጅለ ዝተኻየደ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም።
Your browser doesn’t support HTML5
እቲ መጥቓዕቲ ካብ ከተማ ማይዱግሪ ደቡብ ምዕራብ ኣብ ትርከብ ክፍለ ግዝኣት ቦርኖ ዘጋጠመ ኮይኑ ብተወሳኺ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት በቲ መጥቓዕቲ ምቁሳሎም ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ሓቢሮም ኣለው።
ኣቐዲሙ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣድማዋ ኣብ ሓደ መስጊድን ናይ ዕዳጋ ቦታ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 86 ሰባት ምሟቶም ይፍለጥ።