ኣብ ነፋሪት ክትገላገል ዝጀመረት ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብህጹጽ ዓሊባ

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ከተማ ጂዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ስዑድያ ተሳፊራ ዝነበረት ኢትዮጵያዊት ኣደ፡ ቀዳም 23 መጋቢት ለይቲ ሃንደበት ሕማም ሕርሲ ተተሒዛ መናቱ ደቂ ኣንስትዮ ዕሸላት ብምግልጋላ እታ ነፋሪት 1:15 ወጋሕታ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፋሪት ኣስመራ ብህጹጽ ከምትዓልብ ተጌሩ።