ኣብ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ተሓታትነትን 

  • ገብረ ገብረመድህን

ሓላፊ ቢሮ ፍትሕን ክልል ትግራይ ኣቶ ኣበራ ንጉሰ

ብፌደራል መንግስቲ ናይ ዝተሸመ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣባል ካብኔ ዝኾና ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ወይዘሮ እትየነሽ ንጉሰን ኣባል ኮማንድ ፖስትን ሓላፊ ቢሮ ፍትሕን ክልል ትግራይ ኣቶ ኣበራ ንጉሰን ኣብ ትግራይ ብኢሱዎ ከምዝቐፀለ ዝዝረበሉ ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብዝምልከት ካብ ሰማዕቲ ዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ሂቦም ኣለው።

ኣቶ ኣበራ "ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀመ ዘሎ ኣረመናዊ ተግባር ንፌደራል መንግስቲ ንነግር ኣለና’’ ምስ በሉ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ ሪፖርት ካብ ምግባር ሓሊፍና ነዚ ሓይሊ እዚ ናይ ምእላይ ይኹን ናይ ምምጓት ዓቕሚ ስለዘይብልና ጥርዓን ነቕርብ ኣለና’’ ኢሎም።

"እተን ዝተጠቕዓ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደን ግፍዒ እናነብዓ ይነግራኻ ንስኻ እውን እናነባዕኻ ትሰምዐን’’ ዝበላ ወይዘሮ እትየነሽ "ሞራልካ ዝሰብር ክብሪ ትግራዋይ፣ ዝተኸበራ ደቂ ኣንስትዮና ብውርደት ክትሪኦ ከለኻ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ’’ ኢለን።ከም ናይ ስግግር ምምሕዳር "ዳርጋ ብኹሉ ኣባላት ካብኔ’’ ዝኾነን እዩ። ፌደራል መንግስቲ መፍትሒ ክህብ ንፅዕር ኣለና’’ ኢለን።

ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ፈነወ ትግርኛ ቀዳም

Your browser doesn’t support HTML5

ፈነወ ትግርኛ ሰንበት