ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዓመት ቑጽሪ ብከልቢ ዝንከሱ ሰባት ከምዝወሰኸ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ትግራይ ንሕማም ዕቡድ ከልቢ (ራቢስ) ዘቓልዕ ምንካስ ከልቢ ካበ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝወሰኸ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ። እቲ ቢሮ ከምዝገለፆ ብደረጃ ሃገር እቲ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝገደደ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ድማ ብበዝሒ ኣብ ዞባ ደቡብ ከምዝረአ ሓቢሩ።