አዲስ አበባ —
ከተማ ዓዲግራት፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ትወድቅ ዘላ ተረኛ ከተማ ኮይና ከምዘላ ተገሊጹ።
ፈለማ ኣብ ኢድ ሰራዊት ፈደራልን ሰራዊት ኤርትራን ዝነበረት ዓዲግራት፣ኣብዚ ቀረባ ናብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ኣትያ ከምዝነበረት፣ ሎሚ ተመሊሳ ኣብ ኢድ ሰራዊት ኤርትራ ከምትርከብ ንምንጭታታ ዝጠቀሰት ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሞርዶክ ካብ አዲስ አበባ ሓቢራ።
ካብ ሕዳር ንነጀው ኣብ ዘሎ ጊዜ ሓሙሽተ ውግኣት ዝተካየደላን መዋስንቲ ዓዲግራት ዝኾነትን ሓውዜን ብተደጋጋሚ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ወዲቃ ከምዝነበረት ኣብ’ዚ ቀረባ ምግላጽና ዝዝከር እዩ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ትግራይ ሓድሽ ጎንጺ ኣብ ዘለሉ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ