ኣብ ቱርኪ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጕ 8 ሰባት ሞይቶም

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ቱርኪ ትማሊ ሰንበት ኣብ ፍሉጥ ማእኸል ዕዳጋ ኢስታንቡል ኣብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነታጕ ብዝተተሓሓዘ 22 ተጠርጠርቲ ከም ዝኣሰሩ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ኣፍሊጦም። ሓደ ካብቶም ዝተታሕዙ እቲ ቦምብ ኣብቲ ማእኸል ዕዳጋ ክትኮስ ዝገበረ’ዩ።

እቲ ነታጕ ብዉሑዱ ሸሞንተ ሰባት ቀቲሉ ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኸኣ ኣቁሲሉ’ዩ። እዚ መጥቃዕቲ ተግባር ኣሸበርቲ ከም ዝመስል ምኽትል ፕረዚደንት ቱርኪ ፉኣት ኦክታይ ገሊፆም’ለዉ። ምኽትል ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ጥቃ’ቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ንዝነበሩ ሪፖርተራት ከም ዝበልዎ በቲ ናይ ሰንበት ምሸት ነታጕ ብዉሑዱ 80 ሰባት ቆሲሎም’ለዉ፡ ካብኣቶም እቶም ክልተ ብፅኑዕ ዝቆሰሉ’ዮም ኢሎም።

ኦክታይ ወሲኾም ሰበ ስልጣን ፍጻመ ተግባር ኣሸበርቲ ጌሮም ከም ዝወስድዎ ገሊፆም’ለዉ። ፈፀምቱ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ዶባት ቱርኪ ይኹን ካብኡ ዝረሓቀ ክትሓዙ’ዮም ኢሎም’ለዉ።

ቅድም ክብል ኣብ ኢስታንቡል መዕርፎ ነፈርቲ ኣታቱርኪ ንሪፖርተራት ዝተዛረቡ ፕረዚደንት ቱርኪ ጠይብ ኤርዶዋን ሰበ ስልጣን ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉዳይ ብህፁፅ ይሰርሑ’ለዉ ድሕሪ ምባል ነቶም ተሓተቲ ሒዞም ከም ዝቀፅዑ ቃል ኣትዮም’ለዉ።