ኣብ ቡርኪፋሶ ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ ደገፍ ንሩስያ ይውስኽ ምህላው ተሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ደገፍቲ ዕልዋ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ፡ ባንዴራ ሩስያ ሒዞም ክሕጎሱን እታ ሃገር ምሕዝነታ ካብ ፈረንሳ ናብ ሩስያ ክትቕይር ክጽውዑን ተራእዮም።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ዘሎ ደገፍ ሩስያ ስፍሓቱ ንጹር`ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብቲ ኣንጻር እስላማዊ ምልሻታትን ሸፋቱን ዝግበር ባእሲ ብዙሓት ብጻዕርታት ፈረንሳ ዝተሰላቸዉ ምዃኖም ግልጺ ኮይኑ`ሎ።

ፈረንሳ ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ንቡርኪናፋሶ ወተሃደራዊ ደገፍ ክትገብር ጸኒሓ`ያ።

ኣብ ጎረቤታ ማሊ ድማ ብዕልዋ ዝመርሕ ዘሎ ኮሌነል ኣሲሚ ጎይታ ምስ ክረምሊን ምትእስሳር ኣለዎም ዝብሃሉ ሩስያውያን ዕጡቓት ኩባንያ ዋግነር ናብታ ሃገር ክኣትዉ ከምዝገበረ ይዝከር`ዩ።