ዋሽንግተን —
ብመሰረት ወግዓዊ ምንጭታት ቢሮ መራኸቢታት ክልል ትግራይ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ወረዳ እንደርታ፡ ቍሸት ምላዘት ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈሪት (ድሮን) 23 ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ምቁሳሎም ተሓቢሩ'ሎ።።
እቲ ቢሮ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መግለጺ’ውን ኣብ ከተማታት ማይ-ጨውን ኮረምን ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲን ድሮናትን 18 ሰለማውያን ዜጋታት ተቐቲሎም፡ 11 ድማ በቲ መጥቃዕቲ ቆሲሎም ኢሉ።
ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት መጓዓዝያ፡ ወኪልና ናብቲ ቦታ ከይዱ ነቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ግብረ-መልሲ ካብ ወግዓዊ መንግስታዊ ምንጭታት ንምርካብ ዘካየድናዮ ፈተነ’ውን ኣይሰለጠን።