'ኣብ ቅትለት ከረዩ ዝተጀመረ ሽምግልና ንተሓታታይነት ክትክእ ወይ ከተዓናቕፍ የብሉን' ኢሰመኮ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባቢ ከረዩ ዝተፈጸመ ቕትለት ብዝምልከት ብኣባ-ገዳታት ዝተጀመረ ሽምግልናን መስርሕ ዕርቅን፡ ንተሓታታይነት ገበን ክትክእ ወይ ከተዓናቕፎ የብሉን ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ`ውን ኣብቲ ገበን ተጠርጠርቲ ምዃኖም ዝጠቐሰ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ከይተዓናቐፍ ብምጽዋዕ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ድማ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ይግባእ ኢሉ። ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ንቕትለት ኣባ፡ገዳ ከረዩ ብዝምልከት ኣብ ባይቶ ኦሮሚያ ካብ ኣባላት ባይቶ ሕቶታት ቀሪብሉ መልሲ ሂቡ ኔሩ`ዩ።

ኮሚሽነር ኢሰመኮ ዳንኤል በቀለ፡ ዝተጎድኡ ምኽሓስ፡ ዕርቅን ሰላምን ተሓታታይነትን ብሓደ ክትግበሩ ዝኽእሉ ስለዝኾኑ ሓለፍቲ መንግስቲን ዝምልከቶም ኣካላትን ንዝተማልአ ዕርቅን ፍትሕን ብዕቱብ ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ`ሎ።