ዋሽንግተን —
ሶማል ኣብ ወርሒ መጋቢት 300,000 ኣስትራዘኒካ ክታበት ኮሮናቫይረስ እንተረኸበት እውን ዛጊት ፍርቁ ጥራሕ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ሰበስልጣን ጥዕና'ታ ሃገር ገሊፆም። ሰበስልጣን ወሲኾም ናይዚ ምኽኒያት ፆም ረመዳንን ብዛዕባ እቲ ክታበት ዘሎ ዝተጋገየ ሓበሬታን እዩ ይብሉ ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ክታበት ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ካብ ዝልእኾ ጀሚሩ 130,000 ሶማልያዊያን ተኸቲቦም ኣለው። እቲ ክታበት ምስ ፆም ረመዳን ተኣሳሲሩ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ኣዚዩ ከምዝነከየ ዶክተር ኡባህ ፋራሕ ኣብ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዳይረክተር ጥዕና ስድራ ገሊፆም።
ናይ ደም ምርጋእ \Clotting\ የስዕብ እዩ ብዝብል ብፍላይ ሃገራት ኣውሮጳ ንኣስትራዘኒካ ምጥቃም ጠጠው ኣቢለን እየን፥ኣብ ሶማል ድማ እቲ ክታበት የምክን እዩ ዝብል ኣፈታሪኽ ይውረ።
መንግስቲ ሶማል እቲ ዝተረፈ ክታበት ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ኣዋርሕ ቅድሚ ናይ ምጥቃም ግዚኡ ምሕላፉ ንምሃብ ናይ ምርዳእ ስራሕ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ።
ሶማል ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ 740 ሰባት መዝጊባ ኣላ።