ኣብ ሱዳን ዝወደቐት ነፋሪት ሽዱሽተ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ምሟቶም ተገሊጹ
Your browser doesn’t support HTML5
ሰበ ስልጣን ሱዳን ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብምውዳቓ ሽዱሽተ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ምሟቶም ተገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ገዳርፍ መርጋኒ ሳልሕ፡ ሚኒስተር ሕርሻ’ታ ክፍለ ግዝኣት ዓብደልሞኒም ኣሕመድ በላሕ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰበ ስልጣን ትማሊ ሰንበት ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ብዘጋጠመ ምውዳቕ ተሳፊሮምላ ዝነበረት ነፋሪት ምሟቶም ሚንስተር ዕብየት ሰብኣዊ ድሕነትን ገዳርፍ ኣዋቲፍ ኣል ጃሊኒ ገሊጸን ኣለዋ።