ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ኣስታት 16 መኮንናት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ወሃቢ ቃል ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ብሓይልታት ፀጥታ ተፈቲኑ ኣብ ዝፈሸለ መፈንቅለ መንግስቲ ዝተሳተፉ ተወሰኽቲ መኮነናት ንምሓዝ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሌተናል ጀነራል ጀማል ዑመር ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ትማሊ ሓሙስ ተፈቲኑ ኣብ ዝፈሸለ ወታደራዊ ዕልዋ ዝተሳተፉ ንመራሒ’ቲ ዕልዋ ሓዊሱ እንተወሓደ 16 መኮነናት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘለው ሓቢሩ።