ኣብ ሱዳን ዝተላዕለ ተቓውሞ 58 ሰባት ምቁሳሎም ተሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ሱዳናዊያን ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝጠልብን ነቲ ክልተ ወርሒ ዘቑጸረ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ዘካይድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምቕጻል ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ብምትዃሱን ኣስታት 58 ሰባት ምቁሳሎምን መደበር ቴሌብዥን'ታ ሃገር ሓቢራ'ላ። ኮሚተ ጸጥታ ካርቱም ምስቲ ክካየድ ዝቐነየ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ኣስታት 114 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም'ውን ገሊጹ'ሎ።