ኣብ ሰዓት ምሸት ምምጋብ ንምውሳኽ ክብደትን ምኽሳዕን ጠንቂ ምዃኑ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ይሕብር

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሰዓት ምሸት ምምጋብ ንምውሳኽ ክብደትን ምኽሳዕን ጠንቂ ምዃኑ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ይሕብር

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ማሳቹሰንት ዝርከብ ብሪንግሃም ሆስፒታል ዘለው ተመራመርቲ ዘውጽእዎ ሓድሽ መጽናዕቲ እትበልዖ ዓይነት መግቢን ዓቐን መግቢን ጥራይ ዘይኮነ እትምገበሉ ጊዜ’ውን ኣብ ክብደት ሰውነት ጽልዋ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ኣቐዲሞም ዝወጹ መጽናዕትታት ኣብ ሰዓታት ምሸት ምምጋብ ንመጠኑ ዝሓለፈ ርጉዲ: ምውሳኽ ክብደት ሰውነት ከምኡ’ውን ንዘይምዕዋት ምጉዳል ክብደት ጠንቂ ምዃኑ ይግለጽ።

ይኹን ደኣ እምበር ተመራመርቲ ኣብዚ ሕጅ እዋን ሰባት ዋላ’ውን ጥዑይን ዝተመጣጠነን መግቢ ኣብ ሰዓታት ምሸት እንተተመገቡን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ድማ ምንቅስቃስ እንተዘወተሩን ምሸት ምምጋብ ዘለዎ ጽልዋ ምፍላጥ ከምዝደልዩ ይሕብሩ።

ብመሰረት ነዚ መጽናዕቲ ዝጸሓፉ ተመራመርቲ ድማ ኣብ ሰዓታት ምሸት ምምጋብ ክሳብ ክንደይ ጥምየት ከምዝስመዓና ክንደይ ዝኸውን ሓይሊ ነጥፍእ ከምኡ’ውን አካላትና ክንደይ ዝኸውን ስብሒ ይኽዝን ንዝብሉ ጉዳያት ከምጸልው ይሕብሩ።

ነዚ ሓበሬታ ብዝርዝር ዝገልጽ መጽናዕት እዞም ተመራመርቲ ድማ Cell Metabolism ኣብቲ ዝተባህለ መጽሄት ተሓቲሙ’ሎ።