ኣብ ሰሜን ጎንደር ካብ ሱዳን ዝሰገረ ዘይ-ሕጋዊ ኣጽዋራት ኣብ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ

ምኽትል ኮማንደር ሰላምን ጸጥታትን ክልል ኣምሓራ መንገሻ ኣውራሪስ ንቪኦኤ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ኣርማጭሆ፡250 ሸጓጉጥን፡ 32 ክላሽን ልዕሊ 6ተ ሺሕ ጠያይትን ከም ዝተታሕዘ ሓቢሩ`ሎ።

እቲ ተጠርጣሪን መኪንኡን ከም ዝሃደሙን ፖሊስ ንምሓዞም ምክትታት ይገብር ከምዘሎን`ውን ገሊጹ`ሎ ። “ናብ ኽልልና ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ ኣጽዋራት መበገሲኦም ካብ ሱዳን`ዩ ዝብል እምነት ኣለና”።

ድሕሪ ደጊም፡ ኣብ ንግዲ ኣጽዋር ዝተዋፈሩ ሰባት ክብድ ዝበለ ንዕኦምን ነቲ ሕብረተሰብን ትምህርቲ ክኸውን ዝኽእል መቕጻዕቲ ክረኽቡ ከምዝግባእ`ውን ኮማንደር መንገሻ ኣውራሪስ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሰሜን ጎንደር ካብ ሱዳን ዝሰገረ ዘይ-ሕጋዊ ኣጽዋራት ኣብ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ