ዋሽንግተን —
ምኽትል ኮማንደር ሰላምን ጸጥታትን ክልል ኣምሓራ መንገሻ ኣውራሪስ ንቪኦኤ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ኣርማጭሆ፡250 ሸጓጉጥን፡ 32 ክላሽን ልዕሊ 6ተ ሺሕ ጠያይትን ከም ዝተታሕዘ ሓቢሩ`ሎ።
እቲ ተጠርጣሪን መኪንኡን ከም ዝሃደሙን ፖሊስ ንምሓዞም ምክትታት ይገብር ከምዘሎን`ውን ገሊጹ`ሎ ። “ናብ ኽልልና ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ ኣጽዋራት መበገሲኦም ካብ ሱዳን`ዩ ዝብል እምነት ኣለና”።
ድሕሪ ደጊም፡ ኣብ ንግዲ ኣጽዋር ዝተዋፈሩ ሰባት ክብድ ዝበለ ንዕኦምን ነቲ ሕብረተሰብን ትምህርቲ ክኸውን ዝኽእል መቕጻዕቲ ክረኽቡ ከምዝግባእ`ውን ኮማንደር መንገሻ ኣውራሪስ ኣፍሊጡ`ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5