ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስግኣት ጸጥታ እንተሃለወ'ዃ ተጉዓዝቲ ዓወት ዓድዋ ግን ጉዕዞኦም ከምዝቕጽሉ ይገልጹ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስግኣት ፀጥታ እንተሃለወ እውን ሻምናይ ተጎዓዝቲ ዓወት ዓድዋ ናይ እግሪ ጉዕዝኦም ንምዝዛም ምድላዎም ኣረጋጊፆም።

125 ተጎዓዝቲ ዝሓቖፈ ጉጅለ መበል 125 ዓወት ዓድዋ ንምክባር 9 ጥሪ ጉዕዝኦም ዝጀመሩ ናይ እግሪ ተጎዓዝቲ ኣብ ከተማ ደሴ ክኣትው ከለው ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣሎ።

ካብቲ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ዓለምለኸ ጥዕናን ሃገራዊ ፀጥታን ስግኣት ኣብ ዘለዎ እዩ እዚ ናይ ሎሚ ጉዕዞ ዝካየድ ዘሎ: እዚ ግን ነቶም ተጎዓዝቲ ዘተሓሳስቦም ኣይመስልን።

ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዝኾነ ያሬድ ሹመቴ እቲ ኵናት ኣብ ዝተኻየደሉ ከባቢ ዝርከቡ ወገናትና ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ስርሓት ክስርሑ እዮም ኢሎም።1,010 ኪሎ ሜትር ኣብ 46 መዓልታት ዝዛዘም ክኸውን ከሎ ከም ኣድላይነቱ ምስ ናይ ፀጥታን ካልኦትን ጉዳያት ብዝተኣሳሰረ ዝዕፀፉ ቦታታት ክህልው እዮም ።