ኣብ ሰሜናዊ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ብዝቐጸለ ባርዕ ሓዊ 42 ሰባት ሞይቶም

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሰሜናዊ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ብዝቐፀለ ባርዕ ሓዊ 42 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሰሜናዊ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ብዝቐፀለ ባርዕ ሓዊ እንተወሓደ 42 ሰባት ሞይቶም።ኣብ ታሪኽ ባርዕ ሓዊ እታ ክፍለ ግዝኣት እዚ ናይ ሕጂ ዝኸፍአ ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ።።

ብሰንኪ’ቲ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 228 ሰባት ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠ ሰበስልጣን ገሊፆም ኣለው።

ብሰንኪ እቲ ባርዕ ኣብ ወሰና ወሰን ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝነብሩ 250 ሽሕ ነበርቲ ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎም እቶም ሰበስልጣን ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ፓራዳይዝ ልዕሊ 7,600 ኣባይቲ ከምዝተባርዑ እቲ ባርዕ እናሰፍሓ ይኸይድ ምህላው ተፈሊጡ’ሎ።