ክልል ትግራይ፡ ኣብ ሮማናት ዝተባህለ ከባቢ ኣስታት 400 ዘይሕጋዊ ዝተባህለ ኣባይቲ ብመንግስቲ ምፍራሱ ነበርቲ ገሊጾም

ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እንደርታ ሮማናት ዝተባህለ ከባቢ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ አባይቲ ምፍራሱ ስዒቡ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበርናሉ መንበሪ ኣባይትና መንግስቲ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ብሓይሊ ስለዘፍረሶ ኣብ ፀገም ወዲቕና ኣለና ክብሉ ነበርቲ ‘ቲ ከባቢ የማርሩ::

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሮማናት ዝተባህለ ከባቢ ኣስታት 400 ዘይሕጋዊ ዝተባህለ ኣባይቲ ብመንግስቲ ምፍራሱ ነበርቲ ገሊጾም

ዘይሕጋውያን ዝተባህሉ ኣባይቲ ካብ ወለዶም ብውህብቶ ኣብ ዝተውሃቦም ቦታ መንበሪ ዝተሰርሑን ካብ ምምሕዳር ጣብያ መረዳእታ ብዝተውሃበሉ መንገዲ ዝተዓደጉን ምዃኖም እቶም ነበርቲ ይገልፁ::

ነበርቲ’ቲ ከባቢ መንግስቲ ኣስታት 400 ኣባይቲ ብቕድሚ ትማሊ ብሓይሊ ከምዘፍረሰ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም::

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ትግራይ፡ ኣብ ሮማናት ዝተባህለ ከባቢ ኣስታት 400 ዘይሕጋዊ ዝተባህለ ኣባይቲ ብመንግስቲ ምፍራሱ ነበርቲ ገሊጾም