መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እንደርታ ሮማናት ዝተባህለ ከባቢ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ አባይቲ ምፍራሱ ስዒቡ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበርናሉ መንበሪ ኣባይትና መንግስቲ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ብሓይሊ ስለዘፍረሶ ኣብ ፀገም ወዲቕና ኣለና ክብሉ ነበርቲ ‘ቲ ከባቢ የማርሩ::
Your browser doesn’t support HTML5
ዘይሕጋውያን ዝተባህሉ ኣባይቲ ካብ ወለዶም ብውህብቶ ኣብ ዝተውሃቦም ቦታ መንበሪ ዝተሰርሑን ካብ ምምሕዳር ጣብያ መረዳእታ ብዝተውሃበሉ መንገዲ ዝተዓደጉን ምዃኖም እቶም ነበርቲ ይገልፁ::
ነበርቲ’ቲ ከባቢ መንግስቲ ኣስታት 400 ኣባይቲ ብቕድሚ ትማሊ ብሓይሊ ከምዘፍረሰ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም::
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን::
Your browser doesn’t support HTML5