ኣብ ሞዛምቢክ ግዝኣት ካቦ ዴልጋዶ ብዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው 700,000 ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞዛምቢክ ግዝኣት ካቦ ዴልጋዶ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ብቅልጡፍ ደው ክብልን መፍትሒ ክርኸቦን እንተዘይተኻኢሉ ኣብቲ ኸባቢ ዝኸፍአ ጥፍኣት ክበፅሕ ይኽእል እዩ ኢሉ ።

ካብቶም ዝተመዛበሉ 90% ዝኾኑ ኣብ ከባቢ ከተማ ምስ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ተፀጊኦም ዝርከቡ ኮይኖም 10% መፀግዒ ስኢኖም ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝርከቡ ነቲ ኸባቢ ተዓዚቦም ዝተመልሱ ክልተ ሰበስልጣናት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም ።

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ረዲኤት ካብዝሃቦም ወፃኢ ዝረኸብዎ ሓገዝ ብዘይምህላዉ ሱራሱርን ቆፅላ መፅሊን እናበልዑ ህጻናት ንሕማም ይቓልዑ ኣለዉ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሞዛምቢክ ግዝኣት ካቦ ዴልጋዶ ብዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው 700,000 ሰባት ካብ መነባብብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ