ኣብ ሞዛምቢክ ዘጋጠመ ዘሎ ቅልውላው ልቓሕ ተኣሳሲሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሚንስትር ፋይናንስ’ታ ሃገር ነበር ማኑኤል ቻንግ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ጆሃንስበርግ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።ነታ ሃገር ናብ ቅልውላው ዘእተዋ ብስም ልቓሕ ምስ ዝጠፍአ 2 ቢሊዮን ዶላር ተኣሳሲሩ ብዝቕረቦ ክሲ ንኣሜሪካ ተመሓላሊፉ ክውሃብ ይኽእል እዩ።
ማኑኤል ቻንግ ምስ ገዚፍ ቅሌት ልቓሕ ሞዛምቢክ ብዝተኣሳሰር ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ምርመራ ነይሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓለ።
እዚ ኣብ ኣርባዕተ ኣህጉራት ማለት እውን ኣብ ኣፍሪቃ፣ሰሜን ኣሜሪካ፣ኣውሮጳን ኤስያን ዝተዘርግሐ ምርመራ ቻንግ ምስቲ ምጥፍፋእ ርክብ ኣለዎም ካብ መንጎ ዝተብሃሉ ዓሰርተታት ሰባት ሓደ ኮይኑ ረኺብዎ።እቲ ብልሽውና ዜጋታት እታ ሃገር ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣገልግሎታት መንገዲ፣ፅገና ሆስፒታልን ካልኦትን ብምምንዛዕ ነታ ሃገር ናብ ስቓይ ዘእተወ እዩ።
ናብ ፍርዲ ክቐርብ ከሎ ክዕዘቡ ካብ መንጎ ዝመፁ ብዙሓት ሞዛምቢካዊያን ተሓለቕቲ መሰላት ሓደ ኤልቢዲዮ ሙተምባ ቻንግ ኣብ ኣሜሪካ ክፍረድ ድልየቱ ምዃኑ ይገልጽ።ሰበስልጣን ሞዛምቢክ ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ብቕድሚ ትማሊ ን18 ሰባት ናብ ፍርዲ ምቕራቦም ከም ቀልዲ እዩ ዝሪኦ ዝበለ ሙተምባ እዚ ጉዳይ ካብ 2016 ኣ/ፈ ከምዘጋጠመ ይፍለጥ ሰበስልጣን ሞዛምቢክ ግን ዝንቀሳቐሱ ዘለው ሕጂ እዮም ይብል።
“ንናይ ፍትሒ ስርዓትና ኣይንኣምኖን ኢና።ብዙሓት መዕለቢ ዘይተውሃቦም ክስታት ኣለው፤ውፅኢት መፂኡ ኣይፈልጥን።ፍትሒ ተረኺቡ ኣይፈልጥን።ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝሓሸ ክኸውን እዩ።ከምዚ ዝብል ዘለኹ ወፃኢ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስቲ ገበን ምትእስሳር ዘለዎም ምስኡ ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል እዩ።”
ኣብ ኒውዮርክ ዝመደብሩ ሓደ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንቻንግ ሓዊሱ ንሸውዓተ ሰባት ከሲሱ’ሎ።ኮነ ኢሎም ንገዛእ ርእሶም ሃብቲ ንምኽዕባት እንተወሓደ 200 ሚሊዮን ዶላር ንርእሶም፣ንሰበስልጣን ምዛምቢክን ካልኦትን ጉቦን ህያብን ሂቦም ይብል እቲ ኽሲ።ቻንግ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኣሜሪካ ተመሓላሊፉ ክውሃብ ብዝፅውዕ ትእዛዝ’ዩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካቃ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ይፍለጥ።
ጠብቓ ቻንግ ዊሊ ቨርሙለን ብዋሕስ ክፍታሕ ሓቲቱ’ሎ።
ኣክቲቪስት ሙተምባ ግን ኣብ ከይዲ እቲ ፍርዲ ናይ ቀደም ፕረዝዳንታ እታ ሃገር ዝነበሩ ይኹን ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘለው ፕረዝዳንት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ይፈልጡ ስለዝኾኑ ኣሽማቶም ክወፅእ እዩ ይብል።
Your browser doesn’t support HTML5