ኣብ ምዕቃብ ቅርስታት ዝነጥፍ ግዱስ ኤትራዊ

Your browser doesn’t support HTML5

ፍጹም ገብረስላሰ ኣብ ሞያ ስርሓት ቬትሮ ዝነጥፍ ውልቀሰብ ኮይኑ ኣብ ምዕቃብ ብዘለዎ ፍሉይ ተገዳስነት ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ነገራት ብውልቁ ዓቂቡ ዝርከብ ግዱስ’ዩ። እቶም ብግቡእ ተዓቂቦም ዘለዉ ካብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ጀሚሮም ኣብ ኤርትራ ዝተኣታተዉ ነገራት ዘጠቓለሉ’ዮም። ንሎሚ ነቶም ኣብ ኩርናዕ ሙዚቃን ፊልምን ተዓቂቦም ዝርከቡ ናይ ሙዚቃን ፊልምን ስርሓትን መጻውቲታትን ኣመልኪቱ ኣቶ ፍጹም ዝሃበና መብርሂ ንመደብ ቂሐ ጽልሚ ኣቕሪብናዮ ኣለና።