ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝተዓጽወ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ሓበሬታ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምብጻሕ ዕንቕፋት ይከውን ከምዘሎ ተገሊጹ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ወለጋ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝተዓጽወ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን እቲ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስ እኹል ሓበሬታ ንኸይረክብ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ ክብሉን ገለ ነበርትን ሰብ-ሞያ ጥዕናን ተዛሪቦም።

ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ክልል ኦሮሚያ ዶ/ር ዓብደልቃድር ገልገሎ ድማ ብዛዕባ`ቲ ሕማም መረዳእታ ዘብጽሕ ማእከል ኣብ ነቀምት ስለዝተኸፍተ ኣብ ዞባታት ወለጋ መረዳእታ ይህብ ኣሎ ክብል መሊሱ`ሎ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣቶ ነገራ ፈይሳ፥ ሰብሞያ ጥዕና`ቲ ዞባ ኣብ ወረዳታት ብኣካል ተረኺቦም ግንዛቤ ይህቡ ምህላዎም ድሕሪ ምጥቃስ ድንገተኛ ምልክት ኣብተን ወረዳታት እንተጋጢሙ ግን ናይ ሞባይል ቴሌፎን ኣገልግሎት ብዘይምህላዉ ቀልጢፍካ ነቲ ሓበሬታ ናብ ማእከል ንምብጻሕን ስጉምቲ ንምውሳድን ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ገሊጹ`ሎ።

ሓደ ንስርሐይ ስግኣት ስለዝፈጥረለይ ሽመይ ከይጥቀስ ዝበለ በዓል ሞያ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ምብራቕ ወለጋ`ውን፥ ንሕማም ተላገብ ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ኣብ 17 ወረዳታት ምስ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ንምርኻብ ኢንተርነት ስለዘየለ ኣጸጊምዎም ከምዘሎ ገሊጹ`ሎ።

ኣብ ምእራብ ኦሮምያ ዝተፈላለያ ዞባታት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ነጻነት ኦሮሞ ኢና ኢሎም ተዓጢቖም ኣብ ጫካ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ስጉምቲ ክውሰድ ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣገልግሎት ቴሌፎን ብምዕጻዉ እቲ ስጉምቲ ዕዉት ምዃኑ ምኽትል ጠቕላሊ ወታሃደራዊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ቅድሚ ሎሚ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።