ኣብ ምውዳቕ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ተሳፈርቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ከተማ ኒውዮርክ ናይ ሕልና ጸሎት ተኻይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ዝመርሕዎ ናይ ሕልና ጸሎት ሎሚ ሶኑይ ንግዳያት ነፋርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ከተማ ኒው ዮርክ ተኻይዱ።ብተመሳሳሊ ኣብ ኬንያ ሎሚ ኣብ ዝጀመረ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ከባቢ ዓለም ንግዳያት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ሕልና ጸሎት ብምግባር’ዩ ጀሚሩ።