ኣብ ምምሕዳራዊ ወሰን ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ብዝተላዕለ ግጭት 17 ሰባት ምሟቶም ኣመሓደርቲ'ቲ ከባቢ ገሊጾም

ኣብ ምምሕዳራዊ ወሰን ኦሮምያን ዞባ ሰሜን ሸዋን ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ 17 ሰባት ካብ ክልቲኦም ወገናት ከም ዝሞቱ ከባቢያዊ ኣመሓደርቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቓል ፍሉይ ዞባ ምምሕዳር ኦሮሞ ጀማል ሓሰን ብወገኑ፡ ብኽልቲኡ ወገን ዘለዉ ጽንፋውያን`ዮም ነቲ ካብ ኣምሓራን ኦሮምያን ህይወት ዘጥፍአ ግጭት ወሊዖሞ ይብል።

በቲ ኣብ ወረዳ ጂለ ጥሙጋን ከባቢ ኤፍራታን፡ ብፍላይ ናብ ሸዋ ሮቢት ዝቐርቡ ከባብታት ዝተፈጥረ ግጭት፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝቖሰሉን፡ ኣባይቲ ከምዝዓነወን`ውን፡ ንመንነት`ቶም ፈጸምቱ ንምፍላጥ ምጽራይ ይግበር ከምዘሎ`ውን እቶም ሰበ-ስልጣን ከባቢ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ገሊጾምሉ ኣለዉ።

ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ ሸዋ ሮቢት ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ብሓረስቶት ዝውነን`ዩ ዘይትብሎ ብረት ኣብ ጠቕሚ ዝወዓለሉን፡ ዝተወደበ ወተሃደራዊ ኣካል ኣሎ ኢሉ ከምዝኣምንን ተዛሪቡ።