ኣብ ማላዊን ሞዛምቢክን ብዘጋጠመ ህቦብላዊ ዝናብ 68 ሰባት ሞይቶም

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል -ማላዊ

ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ህቦብላዊ ንፋስ ኣብ ማላውን ሞዛምቢክን ጥራይ ብውሕዱ ህይወት 68 ሰባት ምጥፍኡ ሰበ-ስልጣን ክልቲአን ሃገራት ሓቢሮም።

ኣብ ማላዊ በቲ ሓደጋ መሸንበባ ማይ፡ 63 ሰባት ከም ዝሞቱን 134 ካልኦት ጉድኣት ወሪድዎም ሆስፒታል ከም ዝኣተውን ፖሊስ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ፍረዲ ዝብል መጸውዒ ዝተሃቦ መሸንበባ ዝናብ ካብ ቀዳመ-ሰንበት ጀሚሩ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ንሞዛምቢክን ማላውን ከም ዝጸፍዐን ጉድኣት ከምዘውረደን ይግለጽ። ካብ ዝሓለፈ ለካቲት ጀሚሩ ከምዚ ዝበለ ከቢድ መሸንበባ ንደቡባዊ ኣፍሪቃ ክጸፍዕ ንኻልኣይ ግዚኡ`ዩ።