ዋሽንግተን —
ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ዘለው ስደተኛታት ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ምህላዎም ተወከልቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ ገሊጾም።
ብመሰረት ዓለምለኸ ትካላት ኣብ ሳባ ዝተባህለ መዳጎኒ ማእከል ልዕሊ 100 ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 300 ስደተኛታት ከምዘለው ይገልጹ።
ሓላፊ ሓካይም ብዘይዶብ ጨንፈር ቱኒዝያ ሳም ተርነር ዝሓለፈ ረቡዕ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብ ሳባ መዳጎኒ ማእከል ዘለው ስደተኛታት መዓልታዊ መግቢ ከምዘይረክቡ ሓቢሮም።
“ ኣብ ወርሒ ጥሪን የካቲትን ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዘካየድናዮ ናይ ሕክምናን ስነ ኣእምሮ ምኽሪ ኣገልግሎት ኣብ ክልተ መዓልቲ ሓንሳብ ጥራይ መግቢ ከምዝረኽቡን፡ትሕዝቶ’ቲ መግቢ ድማ ብጣዕሚ ውሑድ ምዃኑ ገሊጾሙልና።”
ሓካይም ብዘይዶብ ካብቶም ኣብ ሳባ መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት እቶም 75 ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ትሕቲ ሚዛን ከምዝኾኑ ብፍላይ ህጻናት ድማ ዝያዳ ብሕጽረት መግቢ ከምዝሳቐዩ ይገልጽ።
እቲ ትካል ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ከውጽእዎም ንሰበ ስልጣን ምሕታቶም’ውን ይሕብር።
ብመሰረት ጸብጻብ ሓካይም ብዘይዶብ ኣስታት 670,000 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዝርከቡን ካብዚኦም እቶም 5,700 ድማ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ከምዝርከቡ ይገልጽ።