ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዝርከቡ ሓቢሮም

Your browser doesn’t support HTML5

ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝተወስደ ስጉምቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ዒን ዛራ መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ አጸጋሚ ኩነታት ከምዝርከቡ ይሕብሩ::ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት 250 ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 1,000 ስደተኛታት ኣብ ዒን ዛራ መዳጎኒ ማእከል ይርከቡ:: ሰበ ስልጣን ሊብያ ብወገኖም ኣብ ዝተሓላለኸ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ከምዝርከቡ ይገልጹ::