ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህባን ዘገልግላን ዘለዋ መንእሰያት

ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ብምብጻሕ ዝተፈላለየ ናይ ግብረሰናይ ስራሕ ዝሰርሓ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣዘራሪብና ኣለና።

​ኣብ ከተማ ዓዲግራትዓብያ ዳሓር ድማ ምስ ስድራኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቢሎም ። ኣብኡ ድማ ሞያ ሞዴሊንግ ጀመረት ። ብድሕሪ'ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ዘይራ ክትሰርሕ ፀኒሓ ። ንኸም ማይክል ኮርስ፡ ጆርጅ ኣርማኒን ኮካኮላን ዝአመሰሉ ትካላት ፋሽንን ንግድን ሽፋን ገፅ መጽሄታቶምን መለለዪ ምህርትታቶምን ኮይና ሰሪሓ ።

ዮዲት ኣታኽልቲ ኣብዚ እዋን ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሰለስተ ቆልዑን እያ ። ነዚ ናይ ሎሚ መደብ መናእሰይ ጋሻና ዝኾነትሉ ስራሓ ግና ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ስዒቡ ካብ ምእራብ ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ንዝተዓቑቡ ስደተኛታት ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣመልኪታ ምስ 5 መሓዙታ ብምዃን ስራሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘሳልጥ ዮዲት ፋውንዴሽን መስሪታ ስራሕ ጀሚራ ትርከብ ንኣፈፃፅማ ስራሕታን በፂሑሉ ዝርከብ ብርክን ኣመልኪታ ድማ ትገልጽ።

ካልእ 21 ዓመት ዝዕድሚኣ ብስራት ገ/ስላሰ ትበሃል::ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ኣብ ስዊድን ዝዓበየት መንእሰይ አያ ። ኣብዚ እዋን ትምህርታን ስራሓን ኣቋሪፃ ናብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ኣምሪሓ ሙሉእ ግዚኣ ነቶም ስደተኛታት እናሓገዘት ትርከብ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህባን ዘገልግላን ዘለዋ መንእሰያት